All posts by eritr2
ጠንቅታት ቀጻሊ ምፍንጫላት፡ 4ይ ክፋል
ተራ ኣወንታዊ መሪሕነት፡ 1ይ ክፋል
ተራ ኣወንታዊ መሪሕነት፡ 2ይ ክፋል
ተራ ኣወንታዊ መሪሕነት፡ 3ይ ክፋል
ተራ ኣወንታዊ መሪሕነት፡ 4ይ ክፋል
መሸላ እናሓረረ ይስሕቕ፡ ከም ደርሆ ንድሕሪት ምሕራስ ጥራሕ ዝክእል መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር
መሸላ እናሓረረ ይስሕቕ፡ ከም ደርሆ ንድሕሪት ምሕራስ ጥራሕ ዝክእል መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር[1]
ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)
ከምቲ ኣቦው ዝብልዎ፡ “ዘለዎ ዝሃበስ በቓቕ ነይባሃል” ስለዝኮነ፡ ንሰዲህኤ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ህሞት፡ መጀመሪያ ንኸይበጽሕን፡ ዳሓር ካኣ ካብኡ ንኽወጽእን ኩሉ ኣሎ ዝባሃል ዓቕምና ስለዝገበርና፡ ዋላ ሕጂ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ዝሓዘ ሒዙ ካብ ሰዲህኤ ምጉላሉ ዘጉህየና ይኹን’ምበር፡ እቲ ኩሉ ዝገበርናዮ ቃልሲስ ኣየጣዓሰናን ኢዩ። እቱይምንታይሲ፡ ካብ ጽቡቕ ድሌት ብምብጋስ ክኾነልና ኢልና ስለዝገበርናዮን፡ ናይ ምጨረሻ ውጺኢቱ ብዘየገድስ፡ እቲ መስርሕ ንባዕሉ ኣገዳሲ ጐዕዞን ተመኽሮን ስለዝነበረን። ከምቲ “ፈሊጡ ዝደቀሰስ፡ ነቕኒቕካዮ ነይሰምዕ” ዝባሃል፡ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር፡ ብመደብ ይገብሮ ስለዝነበረ፡ እቶም ንልዕሊ ክልተ (2) ዓመታት ብመስረታትን ብታሕተዎት ኣካላት ሰልፍን ዝተገብሩ ጽዑቓት ናይ ምእራም ፈተነታት ጽዕዮም ኣወንታዊ ውጺኢት ክርከቦም ኣይተኻእለን። ከምቲ ብሓደ ኢድ ክጣቓዕ ዘይካኣል፡ እቲ ናይ ምእራም ሓይሊ ናይ ሰላም ምሓዛ (partner) ስለዘይረኸበ፡ ኩሉ ዝገበሮ ጻዕርታት ፍረ ኣይሃበን። Continue reading መሸላ እናሓረረ ይስሕቕ፡ ከም ደርሆ ንድሕሪት ምሕራስ ጥራሕ ዝክእል መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር
ኣደ ሓጺርሲ፡ ጭሕሚ ምስኣውጸአ ትቐብጽ፡ ልቦና ዝሕርሙን ውዕል ሓድነት ዝጠለመን መሪሕነት ሰዲህኤ
ኣደ ሓጺርሲ፡ ጭሕሚ ምስኣውጸአ ትቐብጽ፡ ልቦና ዝሕርሙን ውዕል ሓድነት ዝጠለመን መሪሕነት ሰዲህኤ
ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)
መችስ፡ ባዓል ጽቡቕ ድሌት ክኾነለይ ኢሉ’ዩ ዝሓሰቦ መደባት ከተግብር ዝጽዕት። ናይ ምጨረሻ ውጺኢቱ ብዘየገድስ፡ ኩሉ ዝካኣሎን ዓቕሙ ዘፍቅደሉን እንተገይሩ ካኣ፡ ዋላ እቲ ዝሓሰቦ ኣይስለጦ፡ ብዝገበሮ ኣይጣዓስን ኢዩ። እቶም ንሰዲህኤ ሃኒጽና ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣወንታውን ኣድማዕን ተራ ከምዝጻወት ንምግባሩ ብውሕዱ ነዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ (7) ዓመታት ኩሉ ዝካኣለና ዓቕምታት (ጊዜ፣ ገንዘብ፣ ጉልበት፣ ፍልጠት፣ ኣቓልቦን ማሕበራዊ ተንጽሎን) ብምኽፋል ጨልጥና ዝተቓለስናን ንቃለስ ዘለናን መሰረታትን ታሕተ Continue reading ኣደ ሓጺርሲ፡ ጭሕሚ ምስኣውጸአ ትቐብጽ፡ ልቦና ዝሕርሙን ውዕል ሓድነት ዝጠለመን መሪሕነት ሰዲህኤ
ምሕደራ ናቕፋ
ምሕደራ ባጤራ ናቕፋን ማሕበረ-ቁጠባዊ ስምብራቱን[1]
ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)
መቸስ፡ ባጤራ እንታይ ኢዩ ኢለ እንተዝሓተኩም፡ “ምስራኣናዮ ንፈልጦ”፡ ኣርእየና’ሞ ክንነግረካ ከምትብሉን ኣይጠራጠርን ኢየ። ባጤራ ዳኣ፡ እዚ “ናቕፋ፣ ዶላር፣ ዩሮ፤ የን፣ ቅርሺ፣ ሪያል፣ ዲናር፣ ፐሶ፣ ራንዲ፣ ፓውንድ ኢስተርሊንግ፣ ክሮና፣ ወ.ዘ.ተ.” ዝባሃል ‘ወረቐት ወይ’ውን ሓጻውን’ ዶ ኸ ኣይኮነን’ውን ትብሉ ትኾኑ። እወ፡ ኣይተጋገኹምን፡ እዚኦም ኩሎም ኣስማት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ባጤራታት ኢዮም። ባጤራ ግን እቲ ‘ወረቐት ወይ’ውን ሓጻውን’ ዘይኮነስ፡ Continue reading ምሕደራ ናቕፋ
ንመምሰሊ ከመይ ኣለኻ ኣይትበሎ፡ ክደርፍ ስምዓዮ፡ “ክሕደት፣ ጥልመት፣ ብልሽውናን ዓመጸ-ስልጣንን ዝሕላገቱ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር”
ንመምሰሊ ከመይ ኣለኻ ኣይትበሎ፡ ክደርፍ ስምዓዮ፡ “ክሕደት፣ ጥልመት፣ ብልሽውናን ዓመጸ-ስልጣንን ዝሕላገቱ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር”
ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)
ኩላህና ከምነስትውዕለሉ፡ “ልቦና ኣቦው” ዓሚቕን ተዛሪብካሉ ዝውዳእ ኣይኮነን። ካብ ዕላታት ሓደ ጊዜ፡ ሓደ ቁሪ ኮይንዎ ዕንጨቲ ኣጒዱ ሓዊ ከስሕን ዝደለየ ሰብ፡ እቲ ዕንጨቲ ምንዳድ ኣብይዎ፡ ዝተክኽ ፍልፍላይ ዕንጨቲ እንዳኣውጸአ ከድርቢ ዝራኣይዎ ለባ Continue reading ንመምሰሊ ከመይ ኣለኻ ኣይትበሎ፡ ክደርፍ ስምዓዮ፡ “ክሕደት፣ ጥልመት፣ ብልሽውናን ዓመጸ-ስልጣንን ዝሕላገቱ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር”





