መሸላ እናሓረረ ይስሕቕ፡ ከም ደርሆ ንድሕሪት ምሕራስ ጥራሕ ዝክእል መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር

መሸላ እናሓረረ ይስሕቕ፡ ከም ደርሆ ንድሕሪት ምሕራስ ጥራሕ ዝክእል መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር[1]

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ከምቲ ኣቦው ዝብልዎ፡ ዘለዎ ዝሃበስ በቓቕ ነይባሃል ስለዝኮነ፡ ንሰዲህኤ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ህሞት፡ መጀመሪያ ንኸይበጽሕን፡ ዳሓር ካኣ ካብኡ ንኽወጽእን ኩሉ ኣሎ ዝባሃል ዓቕምና ስለዝገበርና፡ ዋላ ሕጂ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ዝሓዘ ሒዙ ካብ ሰዲህኤ ምጉላሉ ዘጉህየና ይኹን’ምበር፡ እቲ ኩሉ ዝገበርናዮ ቃልሲስ ኣየጣዓሰናን ኢዩ። እቱይምንታይሲ፡ ካብ ጽቡቕ ድሌት ብምብጋስ ክኾነልና ኢልና ስለዝገበርናዮን፡ ናይ ምጨረሻ ውጺኢቱ ብዘየገድስ፡ እቲ መስርሕ ንባዕሉ ኣገዳሲ ጐዕዞን ተመኽሮን ስለዝነበረን። ከምቲ ፈሊጡ ዝደቀሰስ፡ ነቕኒቕካዮ ነይሰምዕ ዝባሃል፡ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር፡ ብመደብ ይገብሮ ስለዝነበረ፡ እቶም ንልዕሊ ክልተ (2) ዓመታት ብመስረታትን ብታሕተዎት ኣካላት ሰልፍን ዝተገብሩ ጽዑቓት ናይ ምእራም ፈተነታት ጽዕዮም ኣወንታዊ ውጺኢት ክርከቦም ኣይተኻእለን። ከምቲ ብሓደ ኢድ ክጣቓዕ ዘይካኣል፡ እቲ ናይ ምእራም ሓይሊ ናይ ሰላም ምሓዛ (partner) ስለዘይረኸበ፡ ኩሉ ዝገበሮ ጻዕርታት ፍረ ኣይሃበን። ነቲ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ሽግራትና ብሰልፋዊ ዋዕላ ኣብልና ንእለዮ ዝብል ናይቲ ናይ ምእራም ሓይሊ ጠለብ፡ ኣይፋል፡ መዲድ ተሓንጊጥኩም፡ ተምበርኪኩም ይቕርታ ትሓቱ ዝብል መልሲ ኢዩ ተዋሂብዎ። ንዛተ፡ ፍልልይና ብዘተ ነጻብብ ኢሉ ናይ ሰላም ኢዱ ንዝዘርጋሓልካ ኣካል፡ ስዩም በሉ፣ ኣላሽ በሉ፣ መዲድ ተሓንጊጥኩምን ተምበርኪኩም ለሙኑኒ ዝብል ናይ ፍጹም መለኽቲ ገብረ-መልሲ ምሃብ ዘመልክቶ ነገር እንተሎ፡ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ነቲ ሰልፊ ኮነ ኢሉ ከፍርሶ መደብ ከምዝነበሮ ኢዩ ዝሕብር። ስለዝኮነ’ውን ኢዩ፡ ካብ ምምስራት ሰዲህኤ ኣብ 2010 ብሓፈሻ፡ ካብ ምጅማር ምድላው 2ይ ጉባኤ ኣብ 2014 ካኣ ብፍላይ ጀሚሩ፡ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ብዙሓት ንውሽጣዊ ሓድነት ሰልፊ ዘዳኽሙን ዝብሕጉጉን ውሳኔታት  ክውስንን ከተግብርን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ናይ ሓድነት ውዕል ብምጥላም ውሑዳት ናይ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ (EPP) ኣባላት ዝነበሩ ጥራሕ ሕጁ ናይ ምፍንጫል ኣዋጅ ኣዊጁ ዝርከብ።

ሞሳ መሻህረቲ፦ እቲ ንሰዲህኤ ብመደብ ናይ ምፍራስ ኣጀንዳ ሕጁ መሪሑ ዘተግበረ ኣቦመንበር ሰልፊ ነበር፡ “ኣገናዕ! ብሉጽ ስራሕ ሰሪሕካ” ዝዓይነቱ ሞጎስ ካብ ማእከላይ ባይቶ ነበር ከምዝረኸበ ዘመልክቱ ጽሑፋት ኣብ መሳኹቲ ናይ ማሕበራዊ መዲያ ተለጢፎም ቀንዮም። ከም ፍረ ጻምኡ (ዓስቡ) ካኣ ነቲ ዝተጎለለ ጉጅለ ንኽመርሕ እንደገና ማእከላይ ባይቶ ነበር ከምዝመረጾ’ውን እቶም ጽሑፋት የመልክቱ። ከም ንቡርን ኣብ ንቡር ኩነታትን፡ “ኣገናዕ” ዝባሃልን ሞሳ ዝግበኦን መራሒ፡ ምክፍፋል ዘይኮነስ፡ ሓድነት ዝፈጥር፣ ንኣባላት ዘናቑት ዘይኮነስ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ስኒትን ፍቅርን ከስፍን ዝጽዕት፣ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ጥዑይ ዝምድናታት ከምዝህሉ ዝገብር፣ ንኣባላቱ ዘተባብዕን ዘገልግልን፣ ብዛዕባ ኣባልቱ ዝግደስን ብኣባላት ታኣማኒ ዝኾነን ኢዩ። ባህርያት ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ነበር ግን ነዚ ዝበቅዕ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብግላባጡ ኢዩ ። ይትረፍዶ ኣብ መንጎ ኣባላት ዝረአ ፍልልያት ከጻብብ ክፍትን፡ ነቲ ዝተፈጥረ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዘጋፍሑ ወስታት ኢዩ ክወስድ ጸኒሑ። እቲ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ‘ነታ ሕጋዊት ሽማግለ ዞባ ብምጉሳይ፡ ሓደ ተደራቢ ሕቡእ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብምቛም’ ዝወሰዶ ሓድነት ሰልፊ ናይ ምብታን ስጉምትታት፡ ካብ ቡዙሓት ሓደ መርኣያ ናይ መሰረታዊ ባህርያቱ ኢዩ ነይሩ። እዚኣ’ውን ብትሕዝታኣ፣ ብኣጋባባን ብውጺኢታን ካብታ ኣብ 2003 ኣብ ጀርመን ዝገበራ ትፍለ ኣይኮነትን – ሽዑ ንሰውራዊ ባይቶ ፈናጭሉ፡ ሕጂ ካኣ ንሰዲህኤ ኣፍሪሱ። ኩሉ ጊዜ፡ ኣብ ክንዲ ነገራት ብዓቅልን፣ ብህድኣትን፣ ብውድዕነትን ብሓላፍነትን ክኣልዮ ዝፍትን፡ ቅጽበታዊ ግብረ-መልሲ (reactive response) ንማሃብ ዝህወኽ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርእይቶ ንዘለዎም ብዓይኒ ጸላኢ ይርእዮም፡ ብቕርሕንቲ ካኣ ይሕዞ። ኣብ ክንዲ ኣገደስቲ ሕቶታት ብምሕታትን ኣድላዪ ሓበሬታት ብምእካብን፡ ነቲ ኩነታት ብዕምቆት ተረዲኡን ዝምልስ፡ ናይ ተራጻሚ ግብረ-መልሲ ምሃብ ኢዩ ዝሰልጦ። ከምዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ግብረ-መልሲ ናብ ግብረ-መልሲ እንዳተሳገረ፡ ግርጭታት ብምብላሕ ናብ ፋሕ የምርሕ። ሰዲህኤ ናይ ከምዚ ዓይነት በደል ግዳይ (ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቻርት (chart) ተመልከት) ኢዩ ኮይኑ።

ከምቲ ነቃዕ ሓምሓም መታን ክትፈልጦ ማይ ምለሰሉ ዝባሃል፡ ብስለትን ዓቕምን ሓደ መራሒ ወይ ናይ መሪሕነት ትካል ዝፍተን ካኣ ኣብ ጊዜ ቅልውላው(crisis situation) ኢዩ። ብቘዕ መራሒ፡ ኣብ ጊዜ ቅልውላው፡ ዓቃል፣ ህዱእ፣ ጸዋር፣ ታዓጻጻፊ፣ ውድዓውን ባዓልሓላፍነትን ኢዩ ዝኸውን። ኣገደስቲ ሕቶታት ይሓትትን ኣድላዪ ሓበሬታ ይእክብን። ኩነታት ብውድዕነት ድሕሪ ምድህሳስን ምመዛንን፡ ኣድላይ ውሳኔታት ይውስን። ነብሰ-እደባ (self-discipline)፡ ምግባር እቲ ዝዓበየ ብልጫ ናይ ብቑዓት መራሕቲ ኢዩ። ሰዲህኤ፡ ኣብ ቅልውላው ከምዝጸንሐ ዝሕባእ ምስጢር ኣይኮነን። መሪሕነት ሰልፊ፡ ነቲ ናይ ቅልውላው ኩነታት ብብስለት ክኣልይዎ ስለዘይካኣሉ፡  ኩነታት ሰዲህኤ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ በጺሑ። እዚ ካኣ ‘ዓይኑ ዘፍጠጠ ፍሽለት መሪሕነት’ ዘርኢ’ምበር ‘ኣገናዕ’ ዘብልን ‘ግንዖ’ ዘሸልምን ክኸውን ኣይንተገቦኦን። እቲ ግንዖ ንመሻህረቲ ኢሎም እንተኾይኖም ግን ኣይተጋገዩን። ከምቲ ኣቦው ዝብልዎ እንተዘይሓፈርካ እንታይ ኣለዎ ግዲ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ናይ ፍሽለቶም ሓላፍነት ዝስከሙ፡ ታኣኪቦም፡ ‘ታዓዊትና፡ ነቶም መሪሖም ዘዐወቱና ደጊምና መሪጽናዮም ኣለና’ እንዳበሉ ይዝምሩ ኣለዉ። “ፍሽለት ከም ዓወት፣ ምፍራስ ከም ምህናጽን ምፍንጫል ከም ምጥርናፍን” ኣብ ዝቑጸረሉ ናታቶም ጥራሕ ዓለም ይነብሩ እንተልዉ እንድዒ፡ እቲ ሓቂ ግን ከምቲ ለባማት ዓደ’ቦ ዝብልዎ ሓዊ ኣተወካ እንተበልዎስ፡ ዳሓን ሳዕሪ ተኸዲነ ኣለኹ በለ  ዝባሃል ኢዩ። መሸላ’ውን ኣንታ ትሓርር ኣለኻ እንተበልዎስ፡ ይስህቕ ኢዩ ዘለኹ በለ ኢዩ ዝባሃል’ሞ፡ ናታትኩም’ውን ከምኣ ከይትኸውን ንፈርሓልኩም።

መሪሕነት ሰልፊ ንሓሳባቱ ዘይድግፉ ኣባላትን ታሕተዎት ኣካላትን ሰልፊ ብምድስካልን ስርዒት ሰልፍ ብዘይ ሕጊ ብምፍራስን ነቲ “ማዓስ ኢና ምስጓግ ንጅምር” ዝብል ጸረ-ኣታሓሳስባታት ሰዲህኤ ዝኾነ መደባቱ ከተግብር ከምዘይጸንሐ፡ ሕጂ ነቶም ፍልልያትና ብሰልፋዊ ዋዕላ ኣብልና ብዘተ ንፍታሓዮ ኢሎም ናይ ምእራም ጻዕራታት ከገብሩ ዝጸሑ፡ ዘይኮንዎ ሽም ከጠምቖም ምፍታኑ ኢዩ። ከምዚ ኣብ ቻርት ተገሊጹ ዘሎ፡ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ልሉያት ግን ካኣ ዝተፈልየ ድሕረ-ባይታ ዘለውም ኣባላት ሰልፍን፡ ኣብዚ ቀርባ ጊዜ ካኣ፡ መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ግዳይ ናይዚ ዓመጸኛ መደብ ምስጓግ/ምድስካል ከምዝኾኑ ክስመረሉ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ። ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ንሕናን (ሰህኤ/ሰውራዊ ባይቶን)ጋሽን ሰቲትን ኮይና ንሰዲህኤ ክንቅጽሎ ንኽእል ኢና፡ እቶም ካለኦት ይኺዱ፣ ሰልፊ እንተገመዐ ጸገም የብሉን፡ ምንም ኣይንኾውን ኢና፣ ዝሃውተቱን ዝተጀነዱን ኣለዉ ይኺዱ፣ ወዘተ እንዳበሉ፡ ኣብ ናይ ህዝቢ መጋባእያታት ከይተረፈ፡ ኣንጻር ሓድነት ሰዲህኤ ጎስጓሳት ከካይዱ ከምዝጸንሑ’ውን ምስትባሃሉ ኣገዳሲ ኢዩ። ከምታ ዝደለይዋ ካኣ፡ ውሑዳት ናይ ሰህኤ ኣባላት ዝነበሩ ጥራሕ ሒዞም ካብ ሰዲህኤ ተጎሊሎም ብምኻድ ነቲ ሰልፊ ገሚዖሞ (ቻርት ተመልከት)። ካብ ከም ደርሆ ንድሕሪት ምሕራስ ጥራሕ ዝክእል መሪሕነት ካልእ ክትጽበ’ውን ዝካኣል ኣይኮነን። እንተ ነቲ ዝገበርዎ ሓጥያት ንኻሎት ክጥቅኑ ምፍታን ግን፡ ሓዱሽ ኣይኮነን፡ ኣመል ኢዩ’ሞ፡ ኣባ ጃጃዊስ ሰለፉ ወቒዑ ባዕሉ የእዊ” ከምዝባሃል ኢዩ እልና ክንሓልፎ ንፈቱ።

ናብ ኢትዮጵያ ኣይትኪዱ ኢዮም ዝብሉና—ዝብሉ ክስታት ክኸሱ’ውን ጀሚሮም ኣለዉ። ሓቅታት ብዛዕባ እዚ ኣብ ቀጻሊ ተኸታተሉ።

[1] እዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ሰዲህኤ ተፈጢሩ ዝጸንሐ  ንውሽጣዊ ሓድነት ዝህውኽ ኩነታትን ንምእላዩ ክካየዱ ዝጽንሑ ጻዕርታትን ምስተዛዘሙ፡ ንህዝቢ መግለጺ ክህብ ምዃነይ ብዝኣተኹዎ መብጻዓ መሰረት ዝቐርብ ዘሎ ሻውዓይ ጽሑፍ ምዃኑ ክሕብር እደሊ።  ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እቶም ክግበሩ ዝጸንሑ ነቲ ሽግር ናይ ምፍታሕ ጻዕርታት ኣይታዓወቱን። ንኹሎም ጽቡቕ ድሌታቶም ዝለገሱን ተበግሶታት ንዝወሰዱ ምስጋና ይብጻሓዮም’ውን ንብል።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *