Category Archives: News ዜና

“ሕልፈት ንዘይፈልጥ፡ ጽላለት ንግሆ ኣርእዮ”፡ ካብ ውዕል ሓድነት፡ ተመኪሑ ዝሃደመን ሚሒሉ ዝጠለመን መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር

“ሕልፈት ንዘይፈልጥ፡ ጽላለት ንግሆ ኣርእዮ”፡ ካብ ውዕል ሓድነት፡ ተመኪሑ ዝሃደመን ሚሒሉ ዝጠለመን መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር[1]

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ከምቲ ኣቦው ዝብልዎ፡ “መጽውዕ ሽማ፡ ቀሪሔት ሰፍያ ከም ዓቕማ” ኮይኑ፡ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር፡ ካብቲ ክንደይ ዝምካሓሉ ዝነበረ ‘ውዕል ሓድነት’፡ ዝፈጸሞ ማሕላ ጠሊሙ ብምኻድ፡  ሓንቲ ናይ ጉሉላት ኣጕዶ ከምዝሰርሐ ኣዋጅ/መግለጺ ኣውጺኡ  ኣሎ።  እቲ ኣብ ትሕቲ “ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣኼባኡ ኣክይዱ” ዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ጽሑፍ፡ “—በዚ መሰረት ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሕጋውነትን ቅዋማዊ ኣሰራርሓን ሰዲህኤ ክስንዘሩ ዝጸንሑ ፈተነታት መሰረት ዘየብሎምን ዘይሓላፍነታውያን ምንባሮም ኣመዝጊቡ።” ዝብል ኣገራሚ መግለጺ ኣስፊሩ ይርከብ። Continue reading “ሕልፈት ንዘይፈልጥ፡ ጽላለት ንግሆ ኣርእዮ”፡ ካብ ውዕል ሓድነት፡ ተመኪሑ ዝሃደመን ሚሒሉ ዝጠለመን መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር

“ክንሰምዖ ዘይንደሊ ዘረባታት ክንሰምዕ ዊዒልና!”፡ ቛንቛ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ስኒትን ምክእኣልን ዘይርደኦ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር

“ክንሰምዖ ዘይንደሊ ዘረባታት ክንሰምዕ ዊዒልና!”፡ ቛንቛ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ስኒትን ምክእኣልን ዘይርደኦ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር[1]

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

እቲ ተጎሊሉ ዝኸደ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር፡ “ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ  ኣኼባኡ ኣክይዱ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ “—በዚ መሰረት ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሕጋውነትን ቅዋማዊ ኣሰራርሓን ሰዲህኤ ክስንዘሩ ዝጸንሑ ፈተነታት መሰረት ዘየብሎምን ዘይሓላፍነታውያን ምንባሮም ኣመዝጊቡ።” ዝብል ደምዳሚ መግለጽ ኣስፊሩ ይርከብ። ናይ እንግሊዘኛ ትርጒሙ ካኣ ከምዚ ይብል፡ Continue reading “ክንሰምዖ ዘይንደሊ ዘረባታት ክንሰምዕ ዊዒልና!”፡ ቛንቛ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ስኒትን ምክእኣልን ዘይርደኦ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር

ሰሪቕካ ሓልውኒ በልኒ፡ ክሕልወካ’የ መላጋግቦ መታን ክትኾነኒ፡ ንክሕደትን ንኮራፕሽንን ዝራዓመ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር: ካላኣይ ክፋል

ሰሪቕካ ሓልውኒ በልኒ፡ ክሕልወካ መላጋግቦ መታን ክትኾነኒ፡ ንክሕደትን ንኮራፕሽንን ዝራዓመ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር[1]

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ካላኣይ ክፋል

ኤርትራሃገረይ2ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል፡ ብዛዕባ ኣብ ሞንጎ ሃገራት (Nation States)ዝግበር ዓለምለኻዊ ዝምድናታት (International Relations) ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ ምስ ዝምድናታት ሰዲህኤን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ብፍላይ፡ ብምላዓል ገለ ክብል ፈቲነ ነይረ። ኤርትራ ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር (Sovereign Nation State) ምዃናን፡ ምስ ኩለን ልዑላውያን ሃገራት ዓለም ካኣ ብናጻ ክትዋሳእ መሰል ከምዘለዋን ብምግላጽ፡ ካብ 1993 ንዳሓር፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ዝኾነት ሃገርን፡ ኢትዮጵያ ወስኽካ፡ Continue reading ሰሪቕካ ሓልውኒ በልኒ፡ ክሕልወካ’የ መላጋግቦ መታን ክትኾነኒ፡ ንክሕደትን ንኮራፕሽንን ዝራዓመ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር: ካላኣይ ክፋል

ሰሪቕካ ሓልውኒ በልኒ፡ ክሕልወካ’የ መላጋግቦ መታን ክትኾነኒ፡ ንክሕደትን ንኮራፕሽንን ዝራዓመ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር

ሰሪቕካ ሓልውኒ በልኒ፡ ክሕልወካ መላጋግቦ መታን ክትኾነኒ፡ ንክሕደትን ንኮራፕሽንን ዝራዓመ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር[1]

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ቀዳምይ ክፋል

ብዛዕባ ዝምድናታት ሰዲህኤን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዝምልከት፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ሰልፊ መሰረታዊ ፍልይያት ከምዝጸንሐ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ይኩን’ምበር፡ ብዛዕባ ናይቲ ዝጸንሐ ዝምድና ታሪክ ምትራኽ ሕጂ ዘድሊ ኣይመስለንን። ኣብ ግዚኡ ወረቓቕቲ (Research Papers) ክጻሓፈሉ ኢዩ። ንሕጅን ምስዚ ኣብ ሰዲህኤ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብዝተኣሳሰር፡ ሓደ ሓደ ሓቅታት ንምጥቃስ ዝኣክል ጥራሕ ገለ ክብል ግን ይደሊ። Continue reading ሰሪቕካ ሓልውኒ በልኒ፡ ክሕልወካ’የ መላጋግቦ መታን ክትኾነኒ፡ ንክሕደትን ንኮራፕሽንን ዝራዓመ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር

ፍትሒ ኣብ ዓዲ መለኽቲ፡ “ባዕሉ ከሳሲ፣ ሞጓቲን ፈራዲን ዝኾነን፡ ንባዕሉ’ውን ከምሕጊ ገይሩ ዝቖጽር መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር”

ፍትሒ ኣብ ዓዲ መለኽቲ፡ “ባዕሉ ከሳሲ፣ ሞጓቲን ፈራዲን ዝኾነን፡ ንባዕሉ’ውን ከምሕጊ ገይሩ ዝቖጽር መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር

 ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

እቲ ተጎሊሉ ዝኸደ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር፡ ኣብ ትሕቲ “ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣኼባኡ ኣክይዱ” ዝብል ኣርእስቲ፡ “—በዚ መሰረት ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሕጋውነትን ቅዋማዊ ኣሰራርሓን ሰዲህኤ ክስንዘሩ ዝጸንሑ ፈተነታት መሰረት ዘየብሎምን ዘይሓላፍነታውያን ምንባሮም ኣመዝጊቡ።” ዝብል ደምዳሚ መግለጽ ኣስፊሩ ይርከብ። እዚ ፍጽም ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ Continue reading ፍትሒ ኣብ ዓዲ መለኽቲ፡ “ባዕሉ ከሳሲ፣ ሞጓቲን ፈራዲን ዝኾነን፡ ንባዕሉ’ውን ከምሕጊ ገይሩ ዝቖጽር መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር”